Kidus Estifanos Khartoum Sudan Books

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ፡ አሜን። ኣርእስቲ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ዕላማ፡ 1. ጐይታ ኢየሱስ ክርቶስ ንሱ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ንዓለም ምምስካር 2. ኣብ ጸልማት ዝነብር/ዝመላለስ ህዝቢ ናብ ብርሃን፡ ማለት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽመጽእ -እዚ ስብከት ብኣጋጣሚ ቅንያት ክብረ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዳለወ ኢዩ። ኣብ ጸልማት ምንባር ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧ *ካብቲ ብርሃን ዝኾነ እግዚኣብሄር ተፈሊኻ እትነብሮ ናብራ፡(ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ምንባር፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሓጢኣት፡ ርኽሰት ምንባር ማለት ኢዩ።) ብሓፈሻ ኩሉ እቲ እግዚኣብሄር ዘይከብረሉ ናብራ፡ ጸልማት ኢዩ። * ወዲ ሰብ ካብ መዓስ ኢዩ ኣብ ጸልማት ክነብር ጀሚሩ፧ ኣብ ገነት ሓጢኣት ካብ ዝገበረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ጸልማት ምባር ጀሚሩ። ሞት ዝሰልጠኖ ህይወት ክነብር ጀሚሩ። (ዘፍ 3፡6, ሮሜ 5፡12-14) *ብርሃን ስለምንታይ ናብ ዓለም መጸ፧ መጀመርያ ግን መንነት እዚ ብርሃን እዚ ክንርኢ። እዚ ብርሃንዚ ካብ መጀመርያ ቃል ዝነበረ ኢዩ። ንሱ ንኹሉ ዝረአን ዘይረአን ህይወታውያንን ዘይህይወታውያንን ዝፈጠረ ኣምላኽ ኢዩ። “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።” (ዮሃ 1፡3) ንሱ ካብ መጀመርታ ኣብ ዓለም ነበረ፡ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ለቢሱ ኸኣ ሰብ ኰነ። ስሙ ኸኣ “ኢየሱስ” ተባህለ፡ ንሱ “ክርስቶስ ጐይታ” ውን ኢዩ። (ዮሃ 1፡8-10,14, ማቴ 1፡21, ሉቃ 2፡10-11) ስለዚ እምበኣር ብርሃን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። “ሽዑ ኢየሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።” (ዮሃ 8፡12) *ብርሃን ስለምንታይ ናብ ዓለም መጸ፧ 1. ንጸልማት ክስዕር፡ ጸልማት ንዝገዝኦ ሰብ ካብ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን ከሰጋግር። ብእኡ ኣቢልና ኸኣ ምስቲ ብርሃን ዝኾነ እግዚኣብሄር ሕብረት ክህልወና፡ ምስኡ ውን ክንነብር ኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። (1ዮሃ 1፡5-7) ስለ እዚ ብርሃንዚ ከምዚ ተባሂሉ ተጻሕፈ “ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን” (ዮሃ 1፡5) “እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም።” (ኢሳ 9፡2) እቲ ብእኡ ዝኣመነ ኸኣ ኣብ ጸልማት ከይነብር ንሱ ብርሃን ኰይኑ ናብ ዓለም መጸ። (ዮሃ 12፡46) ነዚ ብርሃንዚ እቲ ዝገርም እቶም ናቱ ኣይተቐብልዎን፡ ከምኡ ውን እቲ ኣብ ዓለም ዝነብር ኣይተቐበሎን (ዮሃ 1፡10-11, ዮሃ 3፡19-21) “ ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብሱ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካፍ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።”(ዮሃ 1፡12-13) ስለዚ ኣታ/ቲ ሓወይ/ሓፍተይ ሎሚ ብርሃን ሕረ/ ምረጽ! 2. ካብ ሓጢኣት ንኸድሕነና፡ ነታ ንሞት ብልሓ ዝኾነ ሓጢኣት ሓደን በይኑን መድሃኒታ እዚ ብርሃንዚ ማለት ጐይታ ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ። “ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኻ።”(ማቴ 1፡21, ግብ 4፡12) ሎሚ ኣብ ሓጢኣት እንነብር እንተ ኣለና ንሱ ካብ ሓጢኣትና ከድሕነና ዝተወልደን ዝሞተን ንጉስ ኢዩ እሞ ነዚ ብርሃንዚ ሎሚ ተጠቐመሉ። ሓጢኣትና ከርሕቕ ዝከኣሎ፡ ንዕኡውን ዝመጸ ብርሃን ኢዩ። “ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን።” (1ዮሃ 3፡5) ከምኡ ኸኣ (ዮሃ 1፡29) ስለዚ ሓጢኣት ዘርሕቕ ንጉስ ከለካስ ከመይ ጌርካ ብሓጢኣትካ ትኩነን?! ካብ ኩነኔ ሕጊውን ሓራ ዘውጸኣካ ኢዩ እሞ፡(ዮሃ 1፡16-17) ስለዚ ነዚ ጐይታ እዚ ናትካ ግበሮ! 3. ንዝሞተ ሰብ ህይወት ክህብ፡ ነቲ ብሓጢኣቱ ዝሞተ ህይወት ዝህቦ ንሱ እቲ ብርሃን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፡ ክብሪ ንስሙ ይኹን። እዚ ብርሃንዚ ተራ ብርሃን ኣይኮነን! “ህይወት” ኢዩ። እዛ ህይወት እዚኣ ኢያ ኸኣ ብርሃን ሰብ። (ዮሃ 1፡4) “ሽዑ ኢየሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ “ብርሃን ህይወት” ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።” (ዮሃ 8፡12) ከምኡውን “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃ 3፡16, ዮሃ 14፡6, ዮሃ 11፡25) 4. ሰላም ከስፍን፡ ዕርቂ ክገብር፡ ጽልኢ ከርሕቕ። ብሓጢኣቱ ምስ ኣምላኽ ንዝተጻልአ ሰብ ከተዓርቕ ሰላም ከስፍን ብርሃን መጸ። ክጅመር ከሎ ንሱ “መስፍን ሰላም” ኢዩ። (ኢሳ 9፡6) ጸላእቱ ኸለና ብሞት ውዱ፡ ምስ ኣምላኽ ተዓረቕና። (ሮሜ 5፡10) ብሕጊ ክጸድቕ ዝኽእል ሰብ ስለ ዘየለ እቶም ሕጊ ዝነበሮም እስራኤላውያን ውን ካብ ኩነኔ ኣይረሓቑን። ስለዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ጽሒፉ “ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዐረቖም። ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።” (ኤፌ 2፡13-18) እዚ ብርሃን እዚ ነቲ ዝመጸሉ ምኽንያት ኩሉ፡ ዋጋ ከፊሉ ኢዩ። ደሙ ብምፍሳስ፡ ስጋኡ በጃና ብምቑራስ ኢዩ ዝገበሮ። ንሕፍረት ዘበለ ኩሉ ንዒቑ፡ መስቀል ትዓገሰ ርእሱ ትሕት ኣበለ። ከምዚ ዝበለ ዋጋ ከፊሉ ሰላምና ንዘውሓሰ ጐይታ፡ ሎሚ ናቱ ክንከውን ምእንቲ ናብኡ ንምጻእ። (ኢሳ 53፡4-5, 2ቆሮ 5፡14, ቆሎ 1፡20, ፊል 2፡6-8, ዕብ 12፡2) 5. ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ዲያብሎስ ንኽስዕር። ጸላኢና ዲያብሎስ እቲ መስፍን እዛ ዓለም ተደርብዩ። (ዮሃ 12፡31, ራእ 12፡10) ንሱ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነቶም መዋእሎም ኣብ ባርነት ሞት ዝዀኑ ኸኣ ገዛኢ ነበረ። ክርስቶስ (ብርሃን) ግን ነዚ ታሪኽ ቀየሮ፡ ንሕና ብህይወት ምእንቲ ክንነግስ ንሱ ኣብ ክንዳና ሞተ። “እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢኣብርሃም ኣልዐሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዐሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዂላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም” (ዕብ 2፡14-16) ጽ, ቆሎ 2፡14-15) እምበኣር ደጊም ምልኪ ናይዚ ንጉስ እዚ ኢዩ፡ ብህይወት ዝገዝእ ንጉስ። ንሱ ምርኮ ማረኸ፡ ስሙ ኸኣ ኣብ ሰማይን ምድርን ትሕቲ ምድርን ክቡር ኢዩ። (ራእ 5፡9-14, 12፡10) እዚ ብርሃንዚ እምበኣር፡ ሰዕሪ፡ መላኺ ኢዩ። ህይወት ኢዩ፡ ሓቂ ኢዩ፡ ናብ ኣቦ ዝወስድ መንገዲ ኢዩ። *ኣብ ቤትካ ከብርህ ትደሊዶ፡ ክፈቶ እሞ ምሳኻ ክድረር ኢዩ። (ራእ 3፡20) *ካብ ጾርካ ከተዕርፍ ትደሊዶ፡ ናብኡ ምጻእ ጾርካ ደርብዮ፡ ናቱ ቀሊል ጾር ተሰከም፡ ኣብቲ ፈኲስ ኣርዑቱ ውን ተቖረን (ማቴ 11፡28-30) ኣታ ዘይትኣምን ሎሚ እመን እሞ ካብ ሞት ክትድሕን። (ዮሃ 8፡24) ኣታ ይኣምኖ ኢየ እትብል ከኣ ምእንቲ ከብርሃልካ፡ ብሓቅን ብግብርን ሰዓቦ። (ዮሃ14፡15) በዛ ጥቕሲ ይፍለየኩም “ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሀልካ እዩ፡” (ኤፌ 5፡14)